Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ቡን ልዕሊ 107 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ቡን ልዕሊ 107 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣታዊ፥ ኣብዚ ወርሒ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ዝተለኣኸ 27 ሺሕን 200 ቶን ቡን ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሓደ ወርሒ ካብ ዝለኣኸቶ ቡን ክንድዚ ሸርፊ ወፃኢ ረኺባ ከምዘይትፈልጥ ተገሊፁ፡፡

እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት እውን ለኣኽቲ ብቀጥታ ምትእስሳር ቡን ካብ ኣቕረብቲን ሓረስቶትን ንኽዕድጉ ናይ ምግባር ስርዓት ተዘርጊሑ ሸንሸሉ ንኸሓፅር ስለዝተገበረ ከምዝኾነ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.