Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ ሰነ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ ) ኣብ ወርሒ ሰነ መሸጢ ችርቻሮ ፍሪያት ነዳዲ ኣውሮፕላንን ሓዊሱ ካልኦት ዓይነታት ነዳዲ ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግድን ኢንዱስትርን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ናብ ጣቢያና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፥ መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ንምርግጋዕ ዓሊሙ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ካብ 27 ግንቦት ክሳብ 30 ሰነ 2012 ዓ.ም ብዝነበሮ ክቕፅል ወሲኑ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ዋጋ ነዳዲ መበገሲ ብምግባር ከከምኣድላይነቱ ምምዕርራይ ክግበር ከምዝኽእል እውን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.