Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ ጉንበት መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ ) ኣብ ወርሒ ጉንበት መሸጢ ዋጋ ፍርያት ነዳዲ ከይሓወሰ ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግድን ኢንዱስትርን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፥ ካብ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ኣውሮፕላን ወፃእ መሸጢ ችርቻሮ ፍሪያት ካልኦት ዓይነታት ነዳዲ ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ገሊፁ።

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ዋጋ ነዳዲ መበገሲ ብምግባር፥ ተሰሊሑ ዝተረኸበ 11 ሳንቲም ብምውሳኽ  ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 43 ብርን 70 ሳንቲምን ንሊትሮ ዝነበረ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ኣውሮፕላን ናብ ብር 43ን 81 ሳንቲምን ክብ ንኽብል ከምዝተወሰነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.