Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውድድር ጉያ 5 ኪ/ሜትሮ ቅድሚት ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት መዲና ኢሳ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ቅድሚት ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት መዲና ኢሳ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ፡፡

ኣብቲ ውድድር÷ ካብ ኣትሌት መዲና ብምቕፃል ኣትሌት ፅጌ ገብረሰላማ ካልአይቲ ኣትሌት መልክናት ውዱ ሳልሰይቲ ብምኻን ውድድረን ዛዚመን፡፡

እቲ ውድድር ዓብዪ ጉያ÷ ብኣሰናዳእነት ኢትጵያ ዝሳለጥ ኮይኑ፤ መበገሲኡን መዛዘሚኡን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ኣትላስ ዝተሳለጠ ኢዩ፡፡

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ፣ ኣትሌት ሃይሌ ገብረ ሥላሴ፣ ኣትሌት መሰረት ደፋር፣ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፣ ካልኦት ኣትሌታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብቲ ውድድር ተረኺቦም፡፡

ኣብ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ቅድሚት ንደቂ ኣንስትዮ ሳፋሪኮም 2015÷ ”ቦታይ፤ መሰለይ፤ ድምፀይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሳለጠ ውድድር ኮይኑ÷ ኣትሌታት፣ 15 ሽሕ ጎይይቲ ጥዕናን ኣምባሳደራትን ተሳቲፎም።

ኣብ መንጎ ኣትሌታት ኣብ ዝተገበረ ንሕንሕ ንቐዳመይቲ ንዝወፅአት 70 ሽሕ ብር፣ ንካልአይቲ 45 ሽሕ ብር ከምኡውን ንሳልሰይቲ ንዝወፅአት 30 ሽሕ ብር ሽልማት ገንዘብ ተዋሂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.