Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ካብ 3 ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ልዕሊ 3 ሚልየን ከም ዝበፅሐ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ብብርኪ ዓለም ኣስታት 140 ሚልየን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።

እዚ ቁፅሪ መልከፍቲ፥ ”ዓለም ናብ ዝኸፈአ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ትቃላዕ ኣላ” ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘጠንቀቐሉ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ።

ሃገረ ህንዲ ኣብ ማእኸል እቲ ዝበርተዐ ካልኣይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ከም ዘላ’ዩ ዝግለፅ።

እታ ሃገር ብቀዳም ኣብ ሓደ መዓልቲ 230 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ኣመዝጊባ ኢያ።

ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥  ቁፅሪ ሓድሽ መልከፍትን ሞትን ብናህሪ ይውስኽ ብምህላዉ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ ክብሉ ብዓርቢ ኣብ ዘውፅእወዎ መግለፂ  ምሕባሮም ይዝከር።

ፍልፍል፥ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.