Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ፍርቂ ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 504 ሺሕን 490 በፂሑ።

ንፈለማ እዋን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁቤይ ከተማ ዉሃን ዝተርኣየ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ተስፋሕፊሑ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ተታሒዞም ይርከቡ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት እውን ህይወቶም እናሰኣኑ ይርከቡ።

ከም ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ወርልድ ኦሜትር እንተኾይኑ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ መላእ ዓለም 504 ሺሕን 490 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ብብርኪ ዓለም 10 ሚሊየን 249 ሺሕን 741 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 5 ሚሊየን 577 ሺሕን 974 ካፍቲ ሕማም ድሒኖም ኢዮም።

ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ እትተሓዙ፥ 128 ሺሕን 437 ዜጋታታ ብሞት ብምስኣን እናመርሐት ትርከብ።

ብራዚል 1 ሚሊየን 345 ሺሕን 254 ተታሒዞም፤ 57 ሺሕን 658 ሞት ብምምዝጋብ ካልአይቲ ኮይና ኣላ።

ሩሲያ 634 ሺሕን 437 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብምምዝጋብ ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዐት እንትትከውን፥ 9 ሺሕን 73 ዜጋታታ እውን ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣብ ብታኒያ 331 ሺሕን 151 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፤ 43 ሺሕን 550 ሰባት ብሙማቶም፥ ብቁፅሪ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ኣብ መበል ሳልሳይ ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብ ኣፍሪካ 385 ሺሕን 219 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ካብ ውሽጢ እዚኦም ድማ 9 ሺሕን 698 ሰባት ህይዎም ሓሊፉ።

68 ሺሕን 925 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ ሰባት ድማ ሙሉእ ቢሙሉእ ድሒኖም ኣለዉ።

ደቡብ ኣፍሪካ 138 ሺሕን 134 ሰባት ተታሒዞም፤ 2 ሺሕን 456 ሞት ብምምዝጋብ ብብርኪ ኣፍሪካ ብቐዳምነት ትመርሕ ኣላ።

ግብፂ 65 ሺሕን 188 ሰባት ተታሒዞም፤ 2 ሺሕን 789 ሞት፥ ናይጀሪያ 24 ሺሕን 567 ሰባት ተታሒዞም 565 ሞት ብምምዝጋብ ካልአይቲን ሳልሰይቲን ኮይነን።

ኣብ ኢትዮጵያ፥ 5 ሺሕን 689 ሰባት ተታሒዞም 98 ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ብምምዝጋብ ብብርኪ ኣፍሪካ ኣብ መበል 13 ደረጃ ትርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.