Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 400 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 400 ሚሊየን ዛይዱ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ኩለመዳይ ፅዕንቶ እናሕደረ ይርከብ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ልዕሊ 400 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ካብዚ ንላዕሊ ክተሓዙ ከምዝኽእሉ ኢዩ ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ አአንፊቱ ዘሎ፡፡

ከም ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ክሳብ ሕዚ 5 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዝፀግዑ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 321ሚሊየን 66 ሺሕን ዜጋታት ካብቲ ቫይረስ ክድሕኑ ከምዝኀኣሉ ተገሊፁ፡፡

ኣሜሪካ፣ ህንድ፣ ብራዚል፣ ፈረንሳይን ብሪታንያን ቫይረሱ ብበዝሒ ካብ ሞንጎ ዝተስፋሕፈሐለን ሃገራት ከምዝኾና ሓበሬታታት ይሕብሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.