Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ቆርበት የጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ቆርበት የጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ካብ ምምሕያሽ ፖሊሲ ጀሚሩ ካልኦት ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ምስ ኣብ ምፍራይ ጣጥኡ ዝወደአ ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ተዛትዩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ ተካ ገብረኢየሱስ፥ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ቆርበት የጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ንምቐራፍ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብዚ ሶሙን ብኽፋል ተዳሊዮም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ቆርበታት ተነቢሩ ዝነበረ 50 ሚኢታዊ ግብሪ ንኽለዓል ዘኽእል መምርሒ ተዳሊዩ ተግባራ ምዃኑ ከም ኣብነት ፀሪሖም።

ዕላማ እቲ መምርሒ፥ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብምትእስሳር ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኩሎም ሰብ ሃፍቲ ማዕረ ተረባሕቲ ንምግባርን ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ክትረኸቦ ዝግበኣ ረብሓ ክትረክብ ንምግባርን ምዃኑ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብ ምፍራይ ጣጥኡ ዝወደአ ቆርበት ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብዛዕባ ተግባራዊነት እቲ መምርሒ ክሰግኡ ከምዘይግባእ ኣገንዚቦም።

ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብግደኦም፥ እቲ መምርሒ ምድላዉ ስዒቡ ሕፅረት ቀረብ ምህርቲ ከይፍጠርን ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋ ከይህሉን ክስራሕ ኣለዎ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.