Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓድዋ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ንዘርኣዩ 34 ዘይሕጋውያን ነጋዶ ንብረቶም ተዓሺጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓድዋ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ዋጋ ወሲኾም ዝተረኸቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘርፍታት ንግዲ ዝተዋፈሩ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ንብረቶም ክዕሸግ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እቶም ንብረቶም ዝታዓሸጎም ነጋዶ 22 ሸርሸርቲ እክሊ፣ 9 እንዳ ስሚንቶን 3 ሸቐጣ ሸቐጥን እንትኾኑ፥ ካልኦት መጠንቀቕታ ዝተውሃቡ ነጋዶ ‘ውን ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እቶም ዝታዓሸጉ ትካላት ንግዲ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ናህሪ ዕዳጋ ክረአ ዝገበሩ ምዃኖም ድማ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ዓድዋን ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንድስትርን እታ ከተማን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ነዚ ዝከታተል ግብሪ ሓይሊ ፈተሽኡ ከም ዝቕፅል ካብ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ዓድዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.