Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ ርባዕ ዓመት ካብ ናይ ወፃኢ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ፍርቂ ቢሊየን ዶላር እቶት ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ርባዕ ዓመት ካብ ናይ ወፃኢ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ፍርቂ ቢሊየን ዶላር እቶት ከምዝተረኸበ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ገሊፁ።
 
እቲ እቶት ካብ ዓውዲ መፍረይቲ፣ ግብርናን ኣገልግሎትን ዝተረኸበ ኢዩ ተባሂሉ።
 
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ሌሊሴ ነሜ ኣፈፃፅማ መደባት ርባዕ ዓመት 2013 ዓ.ም ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ኣብ ጥረ ኣቑሑ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ፍሪያታት ኢኮኖሚ ምዝሕሓል እንተሃለወ እውን እዋኑ ዝጠልቦ ፍሪያት ብምፍራይ ዕዉት ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ተዛሪበን።
 
ብመሰረት እዚ ፅርየት ዘለዎም ማስክታት፣ ጓንቲታት ኢድን ኪታትን ብበዝሒ ምፍራይ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሀን።
 
ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማት ብምቕራፍ ዕዉታት ስራሕቲ ንምስራሕ ተዓሊሙ ኣብ ክልልትን ምምሕዳራት ከተማን ምስ ዝርከቡ መልማዕቲ ኣካላት ብቕርበት ይስራሕ ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ።
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.