Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ልዕሊ 336 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ – ሚኒስቴር እቶት

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 336 ነጥቢ7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ኣፈፃፅማ ትልሙ ከምኡ፤ እውን ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብምድሃብ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ፣ ኣማኸርቲ፣ ዳይሬክተራትን መካየድቲ ስራሕ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ይዛተ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው፥ ኣብቲ በጀት ዓመት ንምእካብ ካብ ዘተሓሰበ 360 ቢሊየን ብር እቲ 336 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ምእካብ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ብምዃኑ 93 ነጥ 53 ሚኢታዊ ካብ ትልሙ ከዕውት ከምዝኸኣለ ብምሕባር፥ ምስ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 20 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ወይ እውን 57 ቢሊየን ብር ሓለፋ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

እቲ መድረኽ ኣብ በጀት ዓመት 2014ዓ.ም ዝተረኣዩ ጥንኩራት ስራሕቲ ክቕፅሉ ንምግባር፣ ብክፍተት ዝተረኣዩ ንምስትኽኻልን ኣብ በጀት 2015 ዓ.ም ከም እታወት ንምውሳድን ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.