Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ተመዝጊቡ ኢዩ – ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተመዝገበ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት ቀዳማይ ፍሉይ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ኣኼባ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣኼባ ብምርካብ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ይህቡ ኣለዉ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢኮኖሚ ብዝምልከት ንዝተልዓለ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ከምዝተመዝገበ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ በጀት ዓመት ምስ እዋናዊ ፀገም እንትነፃፀር ተስፋ ወሃቢ ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዝተመዝገበ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ምስ ቫይረስኮሮና ብምትሕሓዝ መንግስቲ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ነቲ ዕብየት ግደ ከምዝነበሮ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ዓውዲ ኢኮኖሚ 9 ሚኢታዊ፣ ኣገልግሎት 5 ንጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምኡውን መዓድን 91 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ተዛሪቦም።
ንኡስ ዓውዲ ጥዕናን ኣገልግሎት ፋይናንስን ድማ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ገሊፆም።
ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዕብየት ኢትዮጵያ (GDP) 3 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ከምዝበፅሐ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሆም።
ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ናይ ሕድ ሕድ እቶት ልዕሊ 1000 ዶላር ኣሜሪካ ምብፅሑ ኢትዮጵያ ታሕተዋይ ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራት ንምምዳብ ዝነበረ ትልሚ ተግባራዊ ንክኸውን ምኽኣሉ ትርጉም እቲ ዕብየት ልዑል ንክኸውን ከምዝገበሮ ተዛሪቦም።
ዕብየት ንኡስ ዓውዲ ፋይናንስ ዕዉት ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ባንኪታት ኣብ መላእ እዛ ሃገር ንዘሎ ሕብረተሰብ ተበፃሒነት ንክሰፍሕ ብምግባሩ ዕብየት እቲ ዓውዲ ዕዉት ንክኸውን ገይሩዎ ኢዩ ኢሎም።
ብፍላይ ሓደሽቲ ልዕሊ 1 ሺሕ ቅርንጫፋት ባንኪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምኽፋቱ ቁፅሪ ቅርንጫፍ ባንኪታት ልዕሊ 6 ሺሕ ንክኸውን ከምዝገበረ ተዛሪቦም።
50 ሚሊየን ዝተኸፈቱ ሓደሽቲ ቁፅሪታት ኣካውንት ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ31 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ብምግላፅ፥ ባንኪታት 1 ትሪሊየን ተቐማጢ ብር ብምእካብ ኩለመዳይ ዓቕመን ንክዓቢ ከምዘኽኣለ እውን ኣብሪሆም።
እዚ ድማ ብኣማኢቲ ብሊየናት ዝቑፀሩ ብራት ንኢንቨስትመንት ዝውዕል ሃፍቲ ልቓሕ ንምሃብ ከምዘኽኣለ ገሊፆም።
ምስ ምቕያር ሓዱሽ ብር ኖት/ባጤራ ብዝተተሓሓዘ ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 6 ሺሕን 6 ሚኢቲን ዝኾና ቅርንጫፋት ዕዉት ምቕያር በር ምግባረን ሓቢሮም።
ምቕያር እቲ ብር ስሺቡ 37 ቢሊዮን ብር ብሓዱሽ መልክዕ ተቐማጢ ንክኸውን ዕድል ምፍጣሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም።
ምስ ዓብዪ ገድብ ህዳሰ ብምትሕሓዝ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ሎሚ ዘበን ኣብቲ ግድብ ወሳኒ ስራሕ ዝስረሐሉ ኢዩ ኢሎም።
ህንፀት እቲ ግድብ ንክተዓናቐፍ ዝብህጉ ሓይሊታት ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ነቲ ግድብ ልዑል ክትትልን ደገፍን ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም።
ስራሕቲ እቲ ግድብ ንክዕወት መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንክተሓባበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.