Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበረታታዕ ኣፈፃፅማ ወፃኢ ንግዲን ወሰኽ ቀጥተኛ ናይ ወፃኢ ፍሰት መዋእለ ንዋይን ተራኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበረታታዕ ኣፈፃፅማ ወፃኢ ንግዲን ወሰኽ ቀጥተኛ ናይ ወፃኢ ፍሰት መዋእለ ንዋይን ከምዝተራእየ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኮሚቴ ማክሮ ኢኮኖሚ ሎሚ መዓልቲ ስብሰብኡ ከምዘካየደ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣፍሊጦም።

ኣብቲ እዋና ኣኼባ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበረታታዕ ኣፈፃፅማ ወፃኢ ንግዲን ወሰኽ ቀጥተኛ ናይ ወፃኢ ፍሰት መዋእለ ንዋይን ከምዝተረኣየ ፀሪሖም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምንካይ ዝቕባበ ዋጋ፣ ልዑል ምስላጥ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ተግባራት ወለንታ፣ ናብ ሃገር ዝለኣኽ ሸርፊ ወፃኢ ምውሳኽን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕ ዝተመዝገቡሉ እዋን ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ዓመት እውን ዝተረኸቡ ዓወታት ኣጠናኺርካ ክቕፅል ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.