Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ካብ ዘፈር ሕርሻ 61 ሚኢታዊ ቀዋሚን ግዚያዊን ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ካብ ዘፈር ሕርሻ 61 ሚኢታዊ ቀዋሚን ግዚያዊን ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኣብ ዘፈር ሕርሻ ምዕዋት ካብ ሞንጎ ዝኸተኸኣሉ ሽቶታት ዝተወሰኑ ዕላዊ ተገይሩ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ዕላዊ ኣብ ዝገበሩዎ ሓበሬታ፥ ብዕዳጋ ዝምራሕ ኣሰራርሓ ልምዓት ሕርሻ ኣጠናኺርካ ንምትግባር ንኽሕግዝ ብዝብል ዕዳጋ ተኮር ኩታ ገጠም ልምዓት ሕርሻ፤ ኣብ 3 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር ኣብ ኣርባዕተ ክልላት 10 ዓይነታት ኣዝርእቲ እናተኻየደ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዓበይቲ ኮምባይነራትን መኹዓቲ ማይ መስኖን ሪግን ካልኦት እታወታት ቀረባት መሳርሒ ሕርሻ ካብ ቀረፅን ታክሲን ናፃ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይን ንምግጥጣምን ዘድሊ እታወት ብተመሳሳሊ ካብ ታክሲ ናፃ ንኽኸውን ተገይሩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተቐባልነቱ እናወሰኸ ዝመፅአ ልምዓት ኣቮካዶ ምስፍሕፋሕ እውን ዕዳጋ ተኮር ኩታ ገጠም ልምዓት ሕርሻ ኣብ 34 ሺሕን 271 ሄክታር መሬት ክለምዕ ክኢሉ።

ቅድሚ ክልተ ዓመትኣብ ፈተነ ዝነበረ ምስኖ ስርናይ ኣብ ዝቕፅል ዓመት 7 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ንምእካብ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ቀረብ መስኖ ንምምሕያሽ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሰበኸ ሳግም ልምዓት መስኖ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ብዝተገበረ ፈተነ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ዚዓመት 1 ሺሕን 496 ሄክታር ምልማዕ ተኻኢሉ።

ኣብቶም ሰለስተ ዓማውቲ ካብ ዝተፈጠሩ ዕድል ስራሓት ዘፈር ሕርሻ 61 ሚኢታዊ፣ 21 ሚኢታዊ ዘፈር ኢንዱስትሪን 18 ሚኢታዊ ዘፈር ኣገልግሎትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.