Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ካብ ስዑዲን ካልኦት ሃገራትን ልዕሊ 41 ሺሕ ዜጋታት ተመሊሶም-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ካብ ስዑዲን ካልኦት ሃገራትን ልዕሊ 41 ሺሕ ዜጋታት ከምዘተመለሱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር አምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ 12 ኣካላት ፌዴራል ዝተኻተትዎ ብሄራዊ ኮሚቴ በምጥያሽ ተመለስቲ ምስ ቤተ ሰቦም ናይ ምርኻብ ተግባር ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ገንዘበን ንትራንስፖርት ዘድሊ ወፃኢን ድጋፍ ከመዝግበረሎም እውን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዳለዉ ሰለስተ ጊዚያዊ መፅለሊታት ድጋፍ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፌዴራል ዕድል ስራሕ ንምምቹቻው ተግባረዊ ምንቅስቓስ ከምዝገመረ ተገሊፁ።

60 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ሐዚ እውን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከመዝርከቡ ተዛሪቦም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ምስ ጂቡቲ ዘሎ ርክብ ሰለማዊ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብኣንፃሩ  ሱዳን ኣብዝሓዘቶን ናይ ኢትዮጵያ ከባቢታት መገዲ ሓዊሱ ካልኦት መሰረተ ልመዓታት ትሃንፅ ከምዘላ ገሊፆም።

መንግስቲ እዚ ኣካይዳ ከምዘየዋፅእ ንሱዳን መጠንቀቕታ ይህብ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝኾነ ይኹን ዶብ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ትንኮሳታት ብምምካት ድልዊ ከምዝኾነ እውነ ሓቢሮም።

ኣሜሪካ ምስ ስደተኛታት ኤርትራ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ልዕሊ ህወሓት መጠንቀቕታ ሓዘል መልእኽቲ ምትሕልላፋ እታ ሃገር ቅድመ ሐዚ ዝሓዘቶ ቅዋም ተመሓይሽ ከምዘላ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ብወንድወሰን አረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.