Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ኲናት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ህፃናት ዝበፅሑ መፅቃዕቲታት ብሰለስተ ዕፅፊ ወሲኾም – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ፥ ኲናት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ህፃናት ዝበፅሑ መፅቃዕቲታት ብሰለስተ ዕፅፊ ምውሳኾም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ፥ ካብ ኣቆፃፅራ ኣሮፓውያን 2010 ንደሓር ኣብ ልዕሊ ህፃናት ልዕሊ 170 ሺሕ ከበድቲ ናይ ህጊ ጥሕሰታት ምፍፃሞም ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢሉ።

እቲ ቑፅሪ፥ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ኲናት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ህፃናት ዝበፅሑ መፅቃዕቲታት ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዝወሰኹን ህፃናት ዝኽፍሉዎ ዋጋ ልዑል ምዃኑ ከምዘርኢን ገሊፁ።

ከም ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እንተኾይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ከም መቕተልቲ፣ ጉድኣት ኣካል፣ ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ ጠለፋ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፣ ናብ ዓውደ ኲናትን ዝተፈላለዩ ናይ ጉልበት ስራሕቲ ምምልማልን ዝበሉ መጥቃዕቲታት እናተፈፀሙ ይርከቡ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ጥራሕ ልዕሊ 24 ሺሕ መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ ህፃናት ምብፅሑ እቲ ውድብ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት(ዩኒሴፍ) ሄነሪታ ፎር፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጠሩ ናዕቢታት ነዊሕ ግዘ ከምዝፀንሑ ብምግላፅ፥ ህይወት ብዙሓት መናእሰይ ከምዝቐጥፍ ኣብሪሆም።

ኣብ ኲናት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ቀንዲ ሕጊታት ኲናት ካብ ዝኾኑ ኣብ ግዘ ኲናት ንህፃናት ከለላ ዝህብ ድንጋገ ብምጥሓሶም፥ ቁፅሪ ሞት ኲናት ኣብ ዝርግበረሉ ቀጠና ዝርከቡ ህፃናት ብልዑል ብርኪ መውሳኹ ኣብሆም።

እቲ ዝበፅሕ ሞት ህፃናት መብዛሕትኡ ዕላዊ ከምዘይግበር እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ሶሪያ፣ የመንን ኣፍጋኒስታንን ዝርከቡ ህፃናት፥ ተጋለፅቲ እቲ መጥቃዕቲ እዚ ዓመት ምዃኖም ዩኒሴፍ ገሊፁ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.