Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ኣዶታትን ህፃናትን ምምሕያሽ ተራእዩ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ አበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ኣዶታትን ህፃናትን ምምሕያሽ ከምዝተርኣየ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብሓገዝ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ /ዩ ኤስ ኤ አይ ዲ/ እናተኻየደ ዝፀንሐ ፕጀክት መማሓየሺ ጥዕና ኣዶታትን ህፃናትን ተገምጊሙ።

መራሒ ጉጅለ ጥዕና ኣዶታት ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ኣይተ ዘነበ ኣካለ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብተን ክልላት ዝርከባ ትካላት ጥዕና ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና ንክመሓየሽ ከምዛሓገ ገሊፆም።

ብልዕሊ 120 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ በጀት እናተንቀሳቐሰ ዝርከብ እቲ ፕሮጀክት፥ ኣብ 396 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ዘይተማልኡ ናውቲ ጥዕና፣ መፅንሒ ቦታን ካልኦት ኣድለይቲ ዝኾኑ ናውቲ ጥዕናን ናይ ምምላእ ስራሕቲ ምስርሑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ፥ ኢትዮጵያ ሞት ኣዶታትን ህፃናትን ንምንካይ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዝዓለሙ ኣርባዕተ መረሃ ግብሪታት ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።

እቶም መርሃ ግብሪታት ድማ፥ ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና፣ ስርዓት ጥዕና ዓበይቲ ክልላት፣ ንህፃናት መዕቖቢ ዘገልግሉ ፍርያታት ዋሽ፣ ተበፃሕነት ግልጋሎትን ኣብ ገምጋም ክትትልን ስርፀት ልኡኽቶን ዘድሃቡ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.