Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ ፀሓይ ክዋፈሩ ምስ ዝደልዩ ኩባኒያታት ዘተ ቅድመ ኢንቨስትመንት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልምዓት ሓይሊ ፀሓይ ብሓባር ንምውፋር ድሌት ምስ ዘርአዩ ክልተ ኩባኒያታት ዘተ ቅድመ ኢንቨስትመንት ብመርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ፡፡

እቶም ኩባኒያታት ደብሊዩ ኤስ ቢን ሶላር ስቶንን እንትኾኑ፥ መቐመጢኦም ኣብ ኣሜሪካ ሚኔሶታ ዝገበሩ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ካብቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ሰፊሕ ዕድል ዝምልከት ገለፃን ሂቦም።

ሓለፍቲ ስራሕ እቶም ኩባኒያታት ብግደኦም፥ ኣድላዪ መፅናዕቲ ብምዝዛም ናብ ተግባራዊ ምዕራፍ ክሰጋገሩ ከምዝደልዩ ገሊፆም።

እቶም ኩባኒያታት ናብ ስራሕ እንተኣትዉ እንተነኣሰ 100 ሜጋ ዋት ዝሕደስ ሓይሊ ፀሓይ ኣብ ክልል ሶማሌ ንምፍራይ ትልሚ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.