Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅሉ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝናብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ናይ ክረምቲ እዋናት ኣዋርሕ ስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝናብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኤጀንሲ ብሄራዊ ሚቲዮሮሎጂ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ኢትዮጵያ ስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝኾነ መጠን ዝናብ እናዘነበ ከምዝቕፅል እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣመላኺቱ።

መብዛሕትኡ ከባቢታት ደቡብ ምዕራብ፣ ማእኸላይ፣ ምብራቕን ዶጉዓታት ከባቢ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ከምኡ እውን ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያን ካብ ስሩዕ ንላዕሊ ዝኾነ ዝናብ ከምዝህሉ ገሊፁ።

እቲ ኤጀንሲ፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ልዑል ዝኾነ ራህዲ ክህሉ ስለዝኽእል ዝራእቲ ክወድቁ ስለዝኽእሉ ሰብ ሞያታት እ ዓውዲን ሓረስቶትን መትረብ ብምስራሕን ማይ ብምፅፋፍን ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ ክፍጠር ካብ ዝኸእል ነጎድጓድ ዘለዎን በረድ ዝተሓወሶን ከቢድ ዝናብ ክዘንብ ስለዝኸእል፣ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ሩባታት ካብ መጠን ንላዕሊ ማይ ክመልኡ ስለዝኽእሉ ሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕጅ፣  ከምኡ እውን ውሕጅ ከጥቀዖም ዝኸእሉ ሰጣሕ ቦታታት ሓደጋ ውሕጅ ክፍጠር ስለዝኸእል ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ቅድመ ጥንቃቐ ንኅገብሩ ኣገንዚቦም።

ኣወፃፅኣ መጠን ዝናብ ከረምቲ ብዝምልከት ድማ፤ ስሩዕ ዝኾነ ኣወፃፅኣ ዝናብ ከምዝህሉ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ዝቕፅል ናይ ሓጋይ ወቕቲ ሕፅረት ዝናብ ከጋጥም ስለዝኽእል ሰበኽ ሳግምን ክፋል ሰበኽ ሳግምን ዝተረፉ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ብልዑል ኩነታት ማይ ንምዕቛ ክጥቀሙሎም ከምዝግባእ ገሊፁ።

ብትዝታ ደሳለኝ

ፎቶ፦ ከማህበራዊ ሚዲያ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.