Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ደቡብ ኣፍሪካ ብዝተወለዐ ናዕቢ ዝሞቱ ቁፅሪ ሰባት 72 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንማእሰርቲ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ነበር ጃኮብ ዙማ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ብዝተወለዐ ናዕቢ ዝሞቱ ቁፅሪ ሰባት 72 ከምዝበፅሐ ይግለፅ ኣሎ።

ብዝሒ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ድማ ነቶም ብሰኑይ ኣብ ሶዌቶ ዝርከብ ማእኸል ዕዳጋ ውራ  እንትፍፀም ዝተቐተሉ 10 ሰባት ከምዝሓውስ ተሓቢሩ።

ዘይምርግጋእ ካብ ዝጀመረሉ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝተዋፈረ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ክቆፃፀሮ ብዘይምኽኣሉ ሰራዊት እታ ሃገር ንሓገዝ ከምዝተዋፈረ ተገሊፁ።

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪካ ነቲ ናዕቢ ኣሳዊሮም ዝበሎም 12 ተጠርጠርቲ ከምዝነፀረ ዝገልፅ ኮይኑ፥ ዛጊድ ድማ 1 ሺሕን 234 ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ኣለዉ።

ፕሬዚደንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎሳ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1990 ጀሚሩ ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ሞንጎ ዘጋጠሙ ኣዝዮም ዝኸፍኡ ዓመፃት ሓደ ክብሉ ገሊፀምዎ።

እቲ ሕዚ ዝፍፀም ዘሎ ሰፊሕ ውራ ዝቕፅል እንተደኣኾይኑ፥ ሓደጋ ሕፅረት መሰረታዊ ሸቐጣት ዘጋጥመሎም ከባብታት ከምዝህልዎ የግለፅ ኣሎ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ መሃማት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፥ ኣብታ ሃገር ልዕልነት ሕጊ ንክኽበር፣ ሰላምን ምርግጋዕን ንክነግስን ናብ ንቡር ንክምለስን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.