Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ብኣወንታ ዝረአ ኢዩ – ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያትን ማሕራዊ ልምዓትን ሕረት ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ብኣወንታ ዝረአ ከምዝኾነ ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያትን ማሕራዊ ልምዓትን ሕረት ኣፍሪካ ገሊፁ።

ሙዚየም ባህሊ ኣፍሪካ ኣብ ኣልጀሪያ ምህናፁ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምራ ኢል ፋዲል ዝሓበራ እንትኾና፥ ይኹን እምበር ብምኽንያት ኮቪድ-19 ምርቓቱ ተኣጓጒሉ ገሊፀን፡፡

ብተመሳሳሊ ማእኸል መጽናዕቲ ቋንቋት ኣፍሪካ ኣብ ማሊ ባማኮ እናተሃነፀ ከምዝኾነን ፌስቲቫል ፊልም ፓን ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እታ ኣህጉር ስራሕቲ ጥበብ እናተሰርሑ ከምዝኾኑን እውን ተዛሪበን፡፡

ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ንልምዓት ባህሊን ማሕበረሰብን ዝህበኦ ትሑት ግምት፥ ኣብ 2021 ንምዕዋት ዝተሓሰበ ትልሚ ባህሊ፣ ጥበብን ሓድጊን እንተይተዓወተ ከምዝተረፈ ኣብሪሀን።

ብኻሊእ መዳይ ምርኢት ፋሽን ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ሆቴል ስካይላይት ክዝካየድ ተገሊፁ።

ብኣፈወርቅ እያዩን ፀጋዬ ወንድወሰንን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.