Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ንሰራዊት ምክልኻል ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ግልገል በለስ ኣብታ ቦታ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ ጉጅለ ጥፍኣት ዝኹንንን ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ነበርቲ፥ ሰላም ዞባ መተከል ነምምላስ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ፍሉይ ሓይሊን ኣባላት ሚሊሻን እቲ ክልል ዝጀመሩዎ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣብ ዘካየዱዎ ሰልፊ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ሽርሒ ህወሓት ተቐቢሎም እቲ ዞባ እናሃወኹ ዝርከቡ ኣካላት ንብሄረሰብ ጉሙዝ ከምዘይውክል ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብ ኣብቲ ሰልፊ ድጋፍ ድምፆም ኣስሚዖም።

ኣብቲ ሰልፊ ድጋፍ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ከንቲባ ከተማ ግልገል በለስ ኣይተ ሃብታሙ ውባልታ፥ ብሄረሰብ ጉሙዝ ከም ሽፋን ብምጥቃም እቲ ከባቢ እናሃወኹ ዝርከቡ ጥፍኣተኛታት ካብቲ ማሕበረሰብ ብምፍላይ እናተወሰደ ዝርከብ ተግባር ምኽባር ሕጊ ንምብርትታዕ ዝግበር ድጋፍ ተጠናኺሩ ክቕፅ ከምዝግበኦን ዘዘብዒ ሰላም ምዃን ከምዘድሊን ኣገንዚቦም።

ፍልፍል፦ ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.