Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ 23 ፀረ ሰላም ሓይሊታት ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ተልእኾ ጁንታ ህወሓት ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘብፅሑ ዝነበሩ 23 ፀረ ሰላም ሓይሊታት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ ትማሊ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራልን ኣካላት ፀፅታ እቲ ክልልን ብቕድሚ ትማሊ ብዝወሰድዎ ዝተዋደደ ስጉምቲ ኣብቲ ዞባ ወረዳ ማንዱራ 17 ፣ ወረዳ ዳንጉር  2፣ ወረዳ ጉባ 4 ብድምሩ 23 ሓይሊታት ፀረ ሰላም ከምዝተደምሰሱ ገሊፁ።

እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ ዞባ መተከል ተልእኾ ጁንታ ህወሓት ብምሓዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ የብፅሕ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ሓይሊ ፀረ ሰላም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ካብ ካሊእ እዋን ብዝተፈለየ መልክዑ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቶም ሓይሊታት ፀረ ሰላም ዝጠፍእሉ እዋን ምእኻሉ ስዒቡ ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ መጥቃዕቲ ካብ ምብፃሕ ዘይቑጠቡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ብዝተወደበ ኣገባብ ከባቢኡ ካብ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ክሕልን ኣብ ጎኒ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲን ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ተግባርን ክድግፍ ከምዘለዎ ታሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.