Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ክሳብ ሕዚ 1 ሚሊየን 48 ሽሕን 391 ዜጋታት ድምፂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ክሳብ ሕዚ 1 ሚሊየን 48 ሽሕን 391 ዜጋታት ድምፂ ከምዝሃቡ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ቦርድ መረፃ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ምክትል መተሓባባሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ተስፋየ በቀለ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ዞባ ኣብ 11 ክልላት መረፃ ዝርከባ 961 ጣቢያታት መረፃ ኢዩ ተኻይዱ።

ቁፅሪ ተመዝገብቲ እቲ ዞባ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ተስፋየ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 92 ሚኢታዊ ዝኾኑ ድምፂ ከምዝሃቡ ሓቢሮም፡፡

ከይዲ መረፃ ኣብ ዝተወሰኑ ከተማታት ከባቢ ዝርከባ ጣቢያታት መረፃ እናተኻየደ እንትኸውን፥ መብዛሕተአን ጣቢያታት ሰዓት 12 ዛዚመን ኢየን።

መሳርሕትና ኣብቲ ከባቢ ተዘዋዊሮም ከምዝተዓዘቡዎ፥ ኣብ ከተማታትን ከባቢታትን እቲ ዞባ ዝርከባ ክልላት መረፃን ጣቢያታት መረፃን ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ተዓዘብቲ መረፃነረ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኮሮጆ መውሃቢ ድምፂ ተዓሺጉ ኢዩ።

ከይዲ መረፃ ዝዛዘማ ጣቢያታት መረፃ ቆፀራ ድምፂ ከምዝጀመራ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡

ብምስክር ስናፍቅ፣ ጥላሁን ይልማ፣ ደበላ ታደሰን ያሬድ ሳህሉን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.