Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ሲቲ ወረዳ ኣይሻኣ ዝተሃነፀ ተርሚናል ስግረ ዶብ ተሸከርከርቲ ደወሌ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሲቲ ወረዳ ኣይሻኣ ዝተሃነፀ ተርሚናል ስግረ ዶብ ተሸከርከርቲ ደወሌ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

እቲ ተርሚናል ንምምራቕ ድማ ብሚኒስትር ትራንስፖርት ወየዋሮ ዳግማዊት ሞገስን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትራንስፖርት ፌዴራል ኣይተ ኣብዲሳ ያደታን ዝተመርሐ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ድሬዳዋ ኣቲዩ።

መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ሶማሌ ከምዝፀብፀቦ፥ ነቲ ልኡኽ ሓላፊት ቢሮ ትራንስፖርት ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ወይዘሮ ሳዲያ ኣዋሌ፣ ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ክልል ሶማሌ ኣይተ ሮብሊ ኣዋሌን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ ብምርካብ ኣቀባብላ ገይረሙሉ፡፡

ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞጎስን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድን ከምኡ እውን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ነቲ ተርሚናል ክምርቑዎ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.