Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ወላይታ ክልተ ኣስናን ኣብቊሉ ዝተወለደ ህፃን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዞባ ወላይታ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ገሱባ ክልተ ኣስናን ዘብቆለ ህፃን ከምዝተወለደ እቲ ሆስፒታል ኣፍሊጡ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ፀጋዬ እንድሪያስ ከምዝገለፁዎ፥ ትማሊ ምሸት ክልተ ኣስናን ዘለዎ ህፃን ከምዝተወለደን እዚ ክስተት ካብ ዝውለዱ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሺሕ ኣብ ሓደ ክፍጠር ከምዝኽእል መፅናዕቲታት ይሕብሩ ኢሎም፡፡

ብኽክምና ኣፀዋውዑኡ ድማ ስኒ ህፃናት እዋን ወሊድ (Natal teeth) ተባሂሉ ከምዝፅዋዕ እውን እቶም መካየዲ ስራሕ ምግላፆም ካብ ኮሙዩኒኬሽጅን ከተማ ገሱባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ክልተ ኣስናን ኣብቊሉ ዝተወለደ ህፃን ብዘይዝኾነ ይኹን ፀገም ጡብ እናጠበወ ከምዝኾነን ኣብ ሙሉዕ ጥዕና ከምዝርከብን እቶም ዶክተር ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.