Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጅማ ኩሎም ሳንዱቓት መውሃቢ ድምፂ ናብ ክልል መረፃ በፂሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጅማ ኩሎም ሳንዱቓት መውሃቢ ድምፂ ናብ ክልል መረፃ ከምዝበፅሑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዞባ ከተማ ጅማ ሓዊሱ 18 ክልላት መረፃ ዘለዋ እንትኾና፥ ኣብ 1 ሺሕን 583 ጣቢያታት መረፃ ከይዲ ምሃብ መረፃ እናተኻየደ ፀኒሑ ኢዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ድምፂ ዝተውሃበሎም ሳንዱቓት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ኣብ ክልላት መረፃ በፂሖም ቆፀራን ርኽክብን እናተገበረ ከምዝኾነ፥ መተሓባበሪ መረፃ እቲ ዞባ ኣይተ ሸሪፍ ኣባ ገላን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

እቲ መረፃ ዕዉት ኮይኑ ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ፥ መተሓባበርቲ፣ ኣካላት ፀፅታ፣ መናእሰይን ህዝቢን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብሙክታር ጣሃ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.