Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩሮፓ ሊግ ተጋጠምቲ ጋንታታት ርብዒ ፍፃመ ተፈሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩሮፓ ሊግ ጋጠምቲ ጋንታታት ርብዒ ፍፃመ ተፈሊየን።

ብቕድሚ ትማሊን ትማሊን ብዝተገበሩ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፀወታታት፥ ኣብ ርብዒ ፍፃመ ዝራኸባ ጋንታታት ተፈሊጠን ኢየን።

ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ሰኑይን ሰሉስን ክካየዱ ኢዮም።

ሰኑይ እንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ዴንማርካዊት ጋንታ ኮፐንሃገን ከምኡ እውን ጣሊያናዊት ጋንታ ኢንተርሚላን ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባየርሌቨርኩሰን ክራኸባ ኢየን።

ሰሉስ ድማ ዩክሬናዊት ጋንታ ሻክታር ዶኔስክ ምስ ስዊዘርላንዳዊት ጋንታ ባዜል ከምኡ እውን እንግሊዛዊት ጋንታ ወልቭስ ምስ ስፔናዊት ጋንታ ሲቪያ ክራኸባ ኢየን።

ናይ መልሲ ግጥመን ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ዘካይዳ እንትኾና ኣብ በፂሕኻ መልሲ ተዓወትቲ ዝኾና ጋንታታት ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ክራኸባ ኢየን።

ኩሎም ፀወታታት ኣብ ጀርመን ከተማ ኮሎኝ ኢዮም ክካየዱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.