Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኣኽሱም ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበሩ164 ተጓዓዝቲ ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ስለዝኾኑ ነናብ ስድረኦም ተሰዲዶም።

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኣኽሱም ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል ዝግበረሎም ካብ ሞንጎ ዝግበረሎም ዘሎ 467 ተጓዓዝቲ እቶም 164 ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ስለዝኾኑ ነናብ ስድረኦም ተሰዲዶም።

ዩኒቨርሲቱ ኣኽሱም፥ ሕብረተሰብ ካብ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምሕላው ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ፤ ን467 ተጓዓዝቲ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ብምእታው ክትትል ሕክምና እናገበረሎም ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ ድማ 164 ሰባት ናይ 14 መዓልቲ ፃንሒቶም ብምዝዛም ምልክታት እቲ ቫይረስ ስለዘይተረኣየሎም ነናብ ስድረኦም ተሰዲዶም ኣለዉ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያን ካብ ወፃኢ ዓዲን ዝመፅኡ ተጓዓዝቲ ሰብ ሞያታት ጥዕናን እንግዶትን ብምምምዳብ ግልጋሎት ሕክምናን ምግቢን እናሃበ ይርከብ።

ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም፥ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ግንዘበ እናሃበ ከምዝኾነን ግዚያዊ ማኸላት ሕክምና ቫይረስ ኮሮና ብምጥያሽ እናሰርሐ ከምዝርከብን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀፅሪታት ኣኽሱም፣ ሽረን ዓድዋን እቲ ዩኒቨርሲቲ ግልጋሎት ፈሊኻ መፅንሒ እናሃበ ይርከብ።

ፍልፍል፦ Aksum University

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.