Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ብሽም መምህራንን ቴክኒካል ሓገዝቲን ዝተጋወሐ ቅዋም ካብ ኣፍልጦኡ ወፃእ ከምዝኾነ ማሕበር መምህራን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ብሽም መምህራንን ቴክኒካል ሓገዝቲን ዝተጋወሐ ቅዋም ካብ ኣፍልጦኡ ወፃእ ከምዝኾነ ማሕበር መምህራን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ንግዜኢ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ÷ ማሕበር መምህራን ኢትዮጵያ ካብ ቅድመ መደበኛ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ሰብ ሞያ ትምህርቲን ብምውዳብ ብሓሙሽተ ዕላማታት እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ገሊፁ።

ሓደ ሓደ ሕቶታት ብቕልጡ ምላሽ ክረኽቡ ዝግበኦም ከምዝኾኑ እቲ ማሕበር እምነቱ ይኹን እምበር÷ ገለ ገሊኦም ድማ ግዘ ዝደልዩ ከምዝኾኑ ክፍለጥ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ማሕበር መምህራን ሜላ ቃልሲ መምርሒ መሰረት ብምግባር ንካልኦት ኣርኣያን ትምህርቲን ብዝህብ መልክዑ ክኸውን ከምዝግባእ እቲ ማሕበር ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

እዚ ኮይኑ እናሃለወ “መግለፂ ቅዋም ዩኒቨርሲቲታት መምህራንን ቴክኒካል ሓገዝቲን ኢትዮጵያ” ብዝብል ርእሲ “ካብ 26 ሕዳር 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ክንገብር ኢና” ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተጋወሐ ሓበሬታ ማሕበር መምህራ ኢትዮጵያ ዘይፈልጦ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.