Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኣስታት 10 ሰባት ሞይቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ምብራቃዊ ዞባ ጂንጎለ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ትማሊ ምሸት ወዲቓ ብምሕምሻሻ ኣብታ ካብ ነፋሪት ዝነበሩ እቶም 10 ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊፆም።

እታ ነፋሪት ካብ ንኡስ መዓርፊ ነፈርቲ ፒረ ተበጊሳ ናብ ከተማ ጁባ እናኣምረሐት እንከላ ብዙሕ ከይከደት ከምዝወደቐት እቶም ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር መጓዓዝያ እታ ሃገር ማዱት ብያር የል፥ ነቲ ምኽንያት ምውቕ እታ ነፋሪት ዘፃርዩ ልኡኻት ናብቲ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ ሎሚ ሮቡዕ ተላኢኾም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እታ ነፋሪት ብሳውዝ ሱፕሪም ዝተብሃለ ውልቃዊ ትካል እትውነን እንትትኮን፥ እቲ ትካል ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለፂ የለን።

ፍልፍል፦ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.