Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምልባዕ ቫይረስ ኦሚክሮን ከምዝነከየ ተመራመርቲ እታ ሃገር ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ቫይረስ ኦሚክሮን መጠን ምልባዕ እናነከየ ምዃኑ ተመራመርቲ እታ ሃገር ኣፍሊጦም፡፡

በዓል ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ማርታ ኑኔስ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ራብዓይ ዓሌት ቫይረስ ኮቪድ ኦሚክሮን ሕማም ብሉዑል ብርኪ ተላቢዑ ከምዝነበረን እቲ ለበዳ  ንኣዋርሕ  ኣብ ዝተግብረ ልዑል ርብርብ  ምንካዩ ገሊፆም፡፡

ዩኒቨርስቲ ኣካዳሚ ዊትዋተር ስራንድ ተመራመርቲ ብወገኖም÷ እታ ሃገር ዘጋጠማ ናይ ሓፂር እዋን ከቢድ ለበዳ ከምዝነበረ፤ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከምዝሓለፈት መረዳእታታት ምህላዎም ምዝራብ ይካኣል ኢሎም፡፡

“ኣብ ወርሒ ሕዳር መወዳእታ ሰሙን ብመዓልቲ ምርመራ ብዙሓት ሰባት እቲ ሕማም ተረኺብዎም ከምዝነበረ፤ ኮይኑ ግና እቲ ለበዳ ንምዕጋት ሉዑል ርብርብ ብምግባሩ ነቲ ማዕበል ምዕጋት ተኻኢሉ እዩ” ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሓዚ እዋን ታህዋስ ኦሚክሮን ኣብ መላእ ዓለም ብቑልጡፍ እናተላብዐ እንትኸውን፤ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ለበዳ ንምዕጋት ሃገራት ንኽረባረባ ፃዊኢት ምቕራቡ ዝዝከር እዩ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.