Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ፍርቂ ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ፍርቂ ሚሊየን ከምዝዛየደ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር 511 ሺሕን 485 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፥ 8 ሺሕን 366 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ቀዳማይቲ ሃገር እንትትከውን፥ ግብፂ፣ ናይጄሪያን ጋናን ድማ ይስዕባ ኣለዋ።

ኣብ ግብፂ 94 ሺሕን 483 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም 4 ሺሕን 865 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣብ ናይጀሪያ ድማ 43 ሺሕን 841 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም 888 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ጋና 37 ሺሕን 14ዜጋታታ በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ ካብዚኣቶም ድማ እቶም 182 ዝኾኑ ሰባት ሃይወቶም ከምዝሰኣኒ ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ወርልድ ኦሜትር ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ ሓደ ሚሊየን ዝተፀግዐ እንትኸውን፥ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሪ እውን 20 ሺሕን 350 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.