Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘሎ ናዕቢ ኣቐዲሙ ዝተሃቀነ ኢዩ-ሲሪል ራማፎሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘሎ ናዕቢ ኣቐዲሙ ዝተሃቀነን ኣንፃር ዲሞክራሲ ዝተገበረ መጥቃዕቲን ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ገሊፆም።

ማእሰርቲ ነበር ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ጃኮብ ዙማ፥ ጠንቂ እቲ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ናዕቢ እዩ።

ብበሰንኪ እቲ ናዕቢ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ቁፅሪ መወትቲ ናብ 212 ከምዝዓረገ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ነዚ ናዕቢ ስዒቡ ብዝተፈፀመ መጠነ ሰፊሕ ውራ ሕፅረት ሸቐጣት ከምዘጋጠመ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ግዝኣት ክዋዝሉ-ናታል ኣስታት 1 ቢልየን ዳላር ዝግመት ቀረብ (ሸቐጥ) ከምዝተሰረቐን ብውሑዱ 800 ናይ ችርቻሮ ሹቓት ከምዝተዘመተን ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ሲሪል ራማፎሳ፥ “ኩሎም እቶም ኣጋጣምታት ህውከት ብጎስጓስ ዝተፈፀሙ እዮም፤ ነዚ ዝወደቡን ዘተሓባበሩን ሰባት ኔሮም” ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ እቶም ናዕብታት ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ዲሞክራሲ ንምጭዋይ ዝዓለሙ ከምዝኾኑ ድማ ገሊፆም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.