Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ድሬዳዋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 16 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ድሬዳዋ 20 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ከባቢ ላስ ዴሬ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 16 ሰባት ሓሊፉ።

ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ከባቢ 11 ሰዓት ዘጋጠመ እቲ ሓደጋ ትራፊክ፥ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ 5 ሰባት ከቢድ፣ 7 ሰባት ድማ ቀሊል ጉድኣት ኣካል ምብፅሑ ተገሊፁ።

በቲ ሓደጋ ዕንወት ንብረት እውን ኣጋጢሙ ኢዩ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ሞንጎ ሰለስተ ሚኒባስን ክልተ ትራከር መኪናታት ከምዝተፈጠረ ፖሊስ ምግላፁ ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ድሬዳዋ ዝረሀብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.