Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ኣትሌቲክስ 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ብምድብ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ለምለም ሃይሉ ብ8 ደቒቓን 37  55 ማይክሮ ካልኢትን ብምእታው ነቲ ውድድር ቀዳመይቲ ኮይና ዛዚማቶ።

ኣትሌት ወርቁውሃ ጌታቸው ብ8 ደቖቓን 37 ካልኢትን 98 ማይክሮ ካልኢትን ካልአይቲ፥ ኣትሌት ዳዊት ስዩም ብ8 ደቒቓን 39 ካልኢተን 20 ማይክሮ ካልኢን ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ።

ብምድብ ደቂ ተባዕቲዮ ድማ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ብ7 ደቒቐ 40 ካልኢትን 35 ማይክሮ ካልኢን ቀዳማይ እንትኾን፥ ናይቲ ቦታ ክብረ ወሰን ከምዘመሓየሸ ተገሊፁ።

ኣትሌት ኣዲሱ ግርማ 7 ደቒቓን 41 ካልኢትን 53 ማይክሮ ካልኢን ብምእታው ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ከምዝዛዘመ ኣብ ወርልድ ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.