Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጃፓን ካሊእ ዓይነት ዓሌት ቫይረስኮሮና ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጃፓን ካሊእ ዓይነት ዓሌት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኺበ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ብሪታኒያን ደቡብ ኣፍሪካን ምስዝተረኸበ ዓሌት ቫይረስኮሮና ብኽፋል ተመሳሳሊ ከምዝኾነ እውን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ሚኒስቴር ጥዕና ጃፓን፥ እቲ ቫይረስ ካብ ብራዚል ኣብ ዝመፅኡ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኢንስቲትዩት ብሄራዊ ተመሓላላፊ ሕማማት ጃፓን፥ ክሳብ ሕዚ እቲ ቫይረስ ብልዑል ኩነታት ዝጋዋሕ ምዃኑ ዘርኢ ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊፁ።

እቲ ሓዱሽ ዓሌት ቫይረስ ከበድቲ ምልክታት ከምዘለዉዎን ክትባት ቫይረስ ኮሮና ምፅዋሩን ዘይምፅዋሩን ንምፍላጥ ዘኽእል ምርምር እናተኻየደ ከምዝኾነ እቲ ኢኒስቲትዩት ምግላፁ ፀብፃብ ታይምስ ኒውስ ጃፓን የመላኽት።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.