Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ገምግም ባሕሪ ጅቡቲ ጀልባ ብምግምጣላ ብውሕዱ 39 ስደተኛታት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ሓንቲ ጃልባ ብምግምጣላ ብውሕዱ 39 ሰባት ከም ዝጥሓሉ ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም) ኣፍሊጡ።

እታ ጃልባ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ትምራሕ ዝነበረት ምዃና ዝገለፀ እቲ ትካል፥ ኣብ የመን ዘሎ ኲናት ሰጊኦም ናብ ጅቡቲ ዝሰግሩ ዝነበሩ 60 ስደተኛታት ሒዛ ምንባራ ገሊፆም።

ምኽንያት ምግምጣል እታ ጃልባን መንነት ናይቶ ስደተኛታት ግን ዛጊድ ኣይተፈልጠን።

አይ.ኦ.ኤም ሕዚ’ውን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ስራሕ ንምርካብ ኢሎም ኣዝዩ ሓደገኛ መንገዲ ዝጥቀሙ ኣፍሪካውያን መንእሰያት ኩነታቶም ከምዘሻቕሎ ገሊፁ ኣሎ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዶብ ብዙሓት ሃገራት ተዓፅዩ ብምህላዉ ብዙሓት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይግደዱ ከም ዘለው’ውን ኣዘኻኺሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.