Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝመክር ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣቕኒዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝመክር ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣቕኒዑ።

ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን መዳርግቲ ኣካላትን ዝተውፃእፀአ ልኡኽ ኢዩ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣቕኒዑ ዘሎ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ኩነታትን ኣድሂቡ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዘተ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ብድልየት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ከይዲ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ማሕለኻታትን ኣመልኪቶም ብዕምቆት ክዝቲዩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.