Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጋሸናን ካልኦት ግምባራትን ዝተጎናፀፍናዮ ዓወት ሰዓራይነትና ቀረባ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ – ነበር ኣባላት ሰራዊት

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጋሸናን ካልኦት ግምባራትን ዝተጎናፀፍናዮ ዓወት ሰዓራይነትና ቀረባ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ” ክብሉ ነበር ኣባላት ሰራዊት ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩን ን22 ዓመታት ንነበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘገልገሉ ሻለቃ ወንዱ ገዛሀኝ ከምዝበሉዎ፥ ናይ ሎሚ መዓልቲ ናይ ጋሸናን ካልኦት ከባቢታትን ዓወት ንሓይሊታት ኢትዮጵያ መብዛሕትኡ ውግእ ከምዝሰዓሩ ዝሕብር ኢዩ።

ካሊእ ነበር ኣባላት ሰራዊትን ኣብቲ ሰራዊት ልዕሊ 9 ዓመት ዘገልገሉን ሓለቐ 10 ኣብነት ምትኩ ብግደኦም፥ ገዛኣይ መሬት እቶም ከባቢታት ንቀፃሊ ጉዕዞ ቅልጡፍን ብውሑድ መስዋእትነት ንኽወት በሪ ዝኸፍትን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኲናት ናብ ምውድኡ ይኸይድ ከምዘሎ መርኣያ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ነበር ኣባላት ሰራዊት፥ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ጠበንጀኦም ኣቐሚጦም ቀዳማይ ሚኒስትር ብትዕግስቲ ዘቕረቡሎም ዕድል እንተዝጥቀሙሉ ከምዝጠቕሞም ኣብሪሆም።

ክሳብ ሕዚ ዝተረኸቡ ዓወታት ንኽቕፅ እውን ኩሎም ዜጋታት ኣብ ኩሎም ግምባራት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ደው ክብሉን ከባቢኦም ብንቕሓት ክሕልዉን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.