Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግልጋሎት ወለንታ ንምውፋር ዝተመዝገቡ ሰብ ሞያታት ሕክምና ብቐጥታ ኢንተርኔት ስልጠና ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ለበዳ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ኣብ ግልጋሎት ወለንታ ክዋፈሩ ንዝደልዩ ሰብ ሞያታት ጥዕና ፃውዒት ምቕራቡ ይዝከር።

እቲ ሚኒስቴር ዘቕረቦ ፃውዒት ስዒቡ ድማ ሰብ ሞያታት ጥዕና ብድሕረ ገፅ ተመዝጊቦም ኢዮም።

ስለዝኾነ ድማ እቶም ሰብ ሞያታት ቅድሚ ናብ ስራሕ ምውፋሮም ምስ ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ዝተተሓሓዘ ፍልጠት፣ ክእለትን ኣመለኻኽታን ንምዕባይ ብቐጥታ (ኦንላይን) ስልጠና ከምዝወሃብ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እቶም ሰብ ሞያታት ጥዕና፥ ኣብ ቀፃሊ ንዝህሉ ተግባር ስለ ዘድሊዮም ስልጠነኦም ከም ዛዘሙ ዝገልፅ መረጋገፂ ወረቐት ምስክር ፕሪንት ብምግባር ክወስዱ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ብብመሰረት እዚ ቐጥታ (ኦንላይን) ስልጠና ንምውሳድ እዚ ዝስዕብ ኣድራሻ (ሊንክ) www.moh.gov.et/covid19-courses/ ይጠቐሙ።

ብተወሳኺ User Name ኣብ ዝብል ቦታ ኣብ እዋን ምዝገባ ዝፀሓፉዎ ናይ ኢሜል ኣድራሻ (email address ) ምፅሓፍ፤ ይለፍ ቃል (Password): changeme – ብምእታው እቲ ስልጠና ክከታተሉ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.