Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግምባር ምብራቕን ምዕራብን ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ማእኸል ሃገር ከምዝድገም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግምባር ምብራቕን ምዕራብን ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ማእኸል ሃገር ከምዝድገም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ፥ ኣብ ሳልሳይ ቁልፊ ግምባር ተረኺቦም ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝዘተዩሉ እዋን ኢዩ።

ኣብዚ ሰሙን ብዝስርሑ ኦፕሬሽናት በቲ ወራሪ ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ ከተማታት ናፃ ከምዝወፅኡ ዝገለፁ እንተኾኑ፥ ንወራር ዝኣተወ ግብረ ራዕዲ ዝኾነ ይኹን ነገር ሒዙ ከይወፅእ ህዝቢ ተወዲቡ ከትርፎ ከምዝግበኦ ፀዊዖም።

ፀላኢ ፈሪሱ ኢዩ፤ ተበቲኑ ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ሕዚ ፀላኢ ዘለዎ ኣማራፂ ዝሰረቖ ኣረኪቡ ኢዱ ምሃብ ጥራሕ ኢዩ ኢሎም።

ዝሰረቖ ኣረኪቡ ኢዱ እንተሂቡ ምሩኻት ተኸናኺንካ ምሓዝ ናይ ጅግና ባህሊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናፃ ዝወፅኡ ከባቢታት ብህፁፅ ምምሕዳሩ መሊሱ ምጥያሽ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

“ኢትዮጵያውያን ሓደ ኮይኖም ኢዮም፤ ወታደር ኣብ ልዑል ሞራል ኢዩ” ክብሉ እውን ሓይሊ ወገን ዝርከበሉ ኩነታት ገሊፆም።

ህዝቢ ክሳብ ሕዚ ንዝገበሮ ተሳትፎ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ሓድነትና ዝተሓለወ ይኹ፤ ውሕጅ ቤላቤሎ ወረ ኣይውሰደና፤ ሓደ ኮይንና ዘይትድፈር ሃገር ንደቅና ነረክብ” ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.