Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግድብ ህዳሴ ዘለዉ ዝይምስማዓት ክፍትሑ ዘለዎም ብድርድር ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ

አዲስ አበባ፣ ሚያዚያ 5፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ እናሃነፀቶ ኣብ ትርከብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝረኣዩ ዘይምስማዓት ብምዝርራብ ጥራሕ ክፍትሑ ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ምስ ግብፂ መዘነኦም ሳሜህ ሹክሪ ትማሊ ኣበረ ካይሮ ተረኺቦም ኣብ ዘሃቡዎ ሓበራዊ መግለፂ ኢዩ፡፡

ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ መግለፂኦም፥ ሩሲያ ኣፈላላያት ንኽስተኻኸሉ ፀኑዕ ድሌት ከምዘለዋን ብፍላይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝተመርኮዘ ስምምዕነት ንኽበፅሓ ሃገሮም ቴክኒካዊ ሓገዝ ከምትገብርን ተዛሪቦም፡፡

ልዩነቱ መፈታት ያለበትም በውጭ አካላት ሳይሆን በራሳቸው ሶስቱ ሀገራት ብቻ መሆን እንዳለበት አጽንዖት ሰጥተው ገልጸዋል፡፡

ዝግበር ድርድር እውን ኣብ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካን ብሰለስቲአን ሃገራት ጥራሕ ክረአ ከምዝግባእን ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ድርድር ዕዉት ንኽኸውን ድማ ኣመራርሓታት ሩሲያን ሰብ ሞያታት ሃይድሮ ኤሌክትሪክን ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ሓገዝ ከምዝገብሩ ገሊፆም፡፡

ሩሲያ ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ባዕለን ፀገም ብባዕለን ንኽፈትሓ ከምተበረታትዕ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.