Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጣልያን ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 400 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጣልያን ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 25 ሚኢታዊ ብምውሳኽ 400 ከም ዝበፅሐ ተገሊፁ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮፓ ናብ ጥልያን ዝገሹ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸባ ኣፍሊጠን።

ውድብ ጥዕና ዓለም፥ እቲ ሕማም ካብ ቻይና ወፃኢ ንፈለማ እዋን ብቕልጡፍ ይላባዕ ከም ዘሎ ገሊፁ።

ብሓፈሻ ኣብ 40 ሃገራት ልዕሊ 80 ሺሕ ሰባት በቲ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ውሃን ቻይና ዝተርኣየ ሓድሽ ሕማም ኮቪድ-19 ክልከፉ እንከለው፥ ዝበዝሑ ኣብ ቻይና እዮም ዝርከቡ።

እዚ ንኣስታት 2 ሺሕን 700 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ሓድሽ ቫይረስ፥ ናይ ምስትንፋስ ፀገም ከምዘስዕብ ይግለፅ።

እቲ ለበዳ ንጣልያን ናብ ቁጠባዊ ዝሕታለ ከየእትዋ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ብሰንኪ ፍርሒ እቲ ሕማም፥ ካፈታትን ሆቴላትን ሚላን ፀምየን ከም ዘለዋ ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ጥዕና ኣውሮፓዊ ሕብረት ስቴላ ኪርያኪድስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ኣብ ሮማ ድሕሪ ምርኻብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ “እዚ ዘሻቕል ጉዳይ እዩ፤ ግና ክንርዕድ የብልናን። እቲ ቫይረስ ካበይ መፂኡን ብኸመይ ከም ዝመሓላለፍን ገና ዘይተነፀሩ ብዙሕ ነገራት ኣለው” ኢለን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.