Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጣቢያ ወታደራዊ መሰልጠኒ የመን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 111 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ጣቢያ ወታደራዊ መሰልጠኒ የመን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳኤል 111 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ኣብ ከባቢ ማሬብ ዝርከብ ማእኸል መሰልጠኒ ወታደራት ዝተፈፀመ ኮይኑ፥ እቶም ወታደራት ኣብ ውሽጢ መስጊድ ፀሎት እናገበሩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ምዃኑ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተጀመረ ኲናት ሕድሕድ የመን ካብ ዝተፈፀሙ መስካሕኻሕቲ መጥቃዕቲታት ሓደ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መንግስቲ እታ ሃገር በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንዓመፅቲ ሃውቲ ተሓተትቲ እንትገብር፥ እቶም ዓመፅቲ ግን እቲ ሓላፍነት ካብ ምውሳድ ተቖጢቦም ኣለዉ።

ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ፕዚዳንት የመን ኣብደራቡህ ማንሱር ሃዲ፥ እቲ መጥቃዕቲ ሓላፊነት ዝጎደሎ ተግባር ግብረ ራዕዲ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ዓመፅቲ ሃውቲ ንሰላም የመን ምንም ድሌትን ተበግሶን ዘይብሎም ከምዝኾኑ ዘረጋግፅ መጥቃዕቲ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ብጥምር ጦር ስዑድ ዓረብ ዝሕገዝ ወታደራዊ መንግስቲ የመንን ዓመፅቲ ሃውቲን ዝግበር ኲናት ኣብታ ሃገር ልዑል ማሕበራ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ቀውሲ ከስዕብ ክኢሉ ኢዩ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ የመን ብዝተኸየደ ኲናት ሕድሕድ፥ ልዕሊ 100 ሺሕ ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሓለፈ፣ ብሚሊዮናት ፅቑፀሩ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ፣ ንዝኸፍአ ጥሜትን ሕማምን ከምዝተቓልዑ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.