Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጫካ ኣማዞን ኣብ ውሽጢ 12 ዓመት እቲ ዝለዓለ ብርሰት ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጫካ ኣማዞን ኣብ ውሽጢ 12 ዓመት እቲ ዝለዓለ ብርሰት ኣጋጢሙ

እቲ ብርሰት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2008 ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ምርምር ጠፈር ብራዚል ኣፍሊጡ።

ካብ ወርሒ ሰነ 2019 ክሳብ ሓምለ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ፥ 11 ሺሕን 88 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ጫካ ዓንዩ።

ጫካ ኣማዞን፥ ዋዒ ዓለም ንምንካይ ዝሕግዝ ካርበን ዘመንጩ ኣገዳሲ ሃብቲ ተፈጥሮ እዩ።

ፕሬዚዳንት ጄር ቦልሶናሮ ኣብ 2019 ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ኣትሒዙ እቲ ጫካ ዝበፅሖ ሓደጋታት ከም ዝወሰኸ ተራመርቲ ይገልፁ።

ነዚ ድማ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ስራሕቲ ሕርሻን ዕደናን ኣብቲ ጫካ ንክካየዱ ከምዘተባብዑ የብርሁ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ጫካ ልምዓት ክካየድ ዘተባብዑ እንትኾኑ፥ ሕጊ ስነ ከባቢ ንዝጥሓሱ ሓረስቶትን ጫካ ዝቖርፁ ሰባትን ክቐፅዑን ክኣስሩን ስልጣን ዝነበሮም ኤጀንሲታት ዝወሃብ ፈንድ ክቑረፅ ገይሮም ኢዮም።

ኣብዚ ጉዳይ ትኹረት ክግበር ንዝጠልቡ ድማ ክብሪ ብራዚል ዘርስሑ ብምባል ይነቕፎም።

ኣማዞን ኣስታት 3 ሚልየን ዓሌታት ተኽልን እንስሳን ከምኡ’ውን 1 ሚልየን ደቂ’ባትን ዝርከብሉ እዩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ናይ ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅ https://www.fanabc.com/tigrigna/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.