Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፓርክ እንጦጦ ውድድር ጉያን ብሽከሌታን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርክ እንጦጦ ውድድር ጉያን ብሽከሌታን ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድድር ኣብ ወርሒ ሕዳር መፈለምታ ክሳለጥ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ዝካየድ እቲ ውድድር፥ ኣብ ሓደ ጋንታ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

ካብ ኣርባዕቲኦም ተሳተፍቲ ክልተ ብሽክለተኛታት ክልተ ድማ ጎየይቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቶም ብሽክለተኛታት 8 ኪሎ ሜትሮ ከምኡውን እቶም ጎየይቲ 2 ኪሎ-ሜትሮ ክሽፍኑ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ብድምር 30 ጋንታታት ብምምዝጋብ 120 ሰባት ከምዝሳተፉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.