Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ድሬዳዋ ከተማ ንፋሲል እንትት ስዕር ጂማ ኣባ ጅፋርን ባህርዳር ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ንፋሲል እንትትስዕር ጋንታታት ጂማ ኣባ ጅፋርን ባህርዳር ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን።

ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ንጋንታ ፋል ከነማ 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ፕሪሜርሊግ ናይ ምውራድ ሓደጋ ዘለዋ ድሬዳዋ ከተማ ወሰንቲ ሰለስተ ነጥቢታት ክትረክብ ክኢላ።

ሽቶታት ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ሪችሞንድ ኣዶንጎ፣ ኢታሙና ኬሙይኔን ሰዒድ ሓሰን ናብ ናይ ባዕሉ እንተቑፅሩወን፥ ብሕታዊት ሽቶ ፋሲል ከነማ ድማ ሙጂብ ቃሲም ኣመዝጊቡዋ።

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ዝተራኸባ ጋንታታት ጂማ ኣባ ጅፋርን ባህርዳር ከተማን 0 ን 0 ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.