Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ዝሳለጥ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተሰኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ዝሳለጥ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተሰኒዩ።

እቲ ጉጅለ፥ ተቀዳሚት ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብ ዝተረኸበትሉ ኢዩ ትማሊ ስነ ስርዓት ምፍናው ተገይሩሉ።

ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብቲ እዋን ከምዝበለቶ፥ ኣትሌታት ብስልጠና ዝረኸቡዎ ልምዲ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ንኸርእዩዎ ሓደራ ብምባል ብዓወት ንኽምለሱ ዘለዋ ሰናይ ትምኒት ገሊፃ።

ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ኣትሌታትን ኣሰልጠንቲን ብግደኦም፥ ፅቡቕ ምድላው ብምግባር ንውድድር ከምዝተሰናድኡ ምግላፆም ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.