Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2012 ዓ.ም ተመረቕቲ ዝነበሩ ተምሃሮ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ፃውዒት ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቛሪፁ ዝነበረ ስሩዕ ትምህርቲን ስልጠናን ገፅ ንገፅ ኮቪድ-19 እናተኸላኽልካ ዝሳለጠሉ እዋን ምብፅሑ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ድሕሪ ቀረባ ዓታታት ብፍላይ ዩኒቨርሲቲታት ጎንፂ ዘርኢን ሃይማኖትን ዝቅስቀሰለን፣ ህይወት ተምሃሮ ዝሓልፈለን፣ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉድኣታት ዝፍጠረለንን ናፃን ዘይሻራዊን ክኾና ዝግበአን ትካላት ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኢድ ኣእታውነት ዝበዝሐን ክኾናን ኣብ ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነተን ፅዕንቶ ዝበዝሐን ክኾና ከምዝተገበረ እቲ ሚኒስቴር ኣብሪሁ፡፡

ዘይሕጋዊ ጁንታ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዩኒቨርሲቲታት ብዓሌት ከፋፊሉ፤ ህብረ ብህዊነትን ብዙሕነትን ከይዕምብብ፣ ተምሃሮን መምህራንንብኸባቢ ብዘርኢን ሃይማኖትን ክሕፀሩ፣ ካብ ምትሕብባር ምክፍፋል ክስፋሕፋሕ ብምግባር ንናዕቢን ጎንፂን ኢሉ እውንህይወት ሰብ ንኽጠፍእ ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ ኢሉ፡፡

ወለዲ ተምሃሮ እውን ካብ ናይባዕሉ ከባቢ ወፃእ ዘለዋ ዩኒቨርሲቲታት ምደባ ተምሃሮ እንትካየድ ስግኣቶም ብዝተፈላለየ መገዲ እናገለፁ ከምዝፀንሑ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ልኡኽቶን ተግባራትን እቲ ጉጅለ ዳግም ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኢሉ እውን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ከይፍጠር፥ ብጅግና ሰራዊት ምክልኻልን ውዳበ ኣካላት ፀፅታን ብተሳትፎ ሕብረተሰብን ወፍሪ ምኽባረው ሕጊ ምውሳዱ ኣዚዩ ኣሕጒሱና ኢዩ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሉ፡፡

ብመሰረት እዚ ተቛሪፁ ዝነበረ ስሩዕ ትምህርቲን ስልጠናን ገፅ ንገፅ ኮቪድ-19 እናተኸላኽልካ ዝሳለጠሉን መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሓገዝ ከምዝተጀመረ ጎድና ጎድኒ ስራሕቲ ልምዓት ኣጠናኺሩ ዝቕፅለሉን እዋን ምብፅሑ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ፈለማ ተመረቕቲ ተምሃሮ ብምቕዳም ፃውዒት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ፅባሕ 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝካየድን ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ ካልኦት ተምሃሮ ንኸኣትዉ ከምዝግበር ተገሊፁ፡፡

ዘበነ ትምህርቲን ስልጠናን 2013 ዓ.ም ዕዉት ንኽኸውን፥ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ዝተለመደ ሓገዝ ንኽገብር ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ መግለፂኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.